Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ረብሓን ሓድነትን ኣብ ምጥንኻር ኩለመዳይ ሓላፍነት ኣለዎም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላውን ሓድነት ዜጋታት ኣብ ምጥንኻርን ኩለመዳይ ሓላፍነት ከምለዎም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ብሄራዊ ረብሓን ሙያዊ ጋዜጠኝነትን ጠሚቱ ንሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ስልጠና እናሃበ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ስልጠና ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ነብዩ ተድላ÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ጭቡጥን ትኽክለኛ ሓበሬታ ብምቕራብ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላው ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ፖሊሲን ስትራቴጂን ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብምርዳእ ረብሓ ሃገር ኣብ ዝሕልዉ ተግባራት ትኹረት ብምግባር ንኽሰርሑ እውን ኣመልኪቶም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር ባድሩ ብግደኦም÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃ ንኽዕወት ቁልፊ መሳርሒ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝንገሩ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳታት ብምምካት ሚዛናዊን ሓቀኛን ፀብፃባት ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብምቕራብ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኣገንዚቦም።

ብሲፈን መገርሳን ገመቺስ ታሪኩን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.