Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ሂሩት በቀለ ኣብ ሃገር ፍቅር ቲኣትር ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምፍናው ኣስከሬን ኣርቲስት ሂሩት በቀለ ኣብ ሃገር ፍቅር ቲኣትር ተሳሊጡ።

እታ ኣርቲስት ምስ ባንድታት ዳህላክ፣ ዳሽንን ዋልያን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተገሊፁ።

ንኣስታት 35 ዓመታት ኣብ ክፍቲ ቲኣትር ፖሊስ ሰራዊት ከምዘገልገለት ድማ ኣብቲ ስነሰርዓት ተገሊፁ።

ኣብ 35 ፃኒሒት እዋና ልዕሊ 200 ሙዚቃታት ኣበርኪታ ኢያ።

ካብ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ን25 ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምግልጋል ሰለስተ ኣልበማት መዝሙር ከምዘበርከተት እውን ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት  ሂሩት ኣዶ ሰለስተ ቆልዑት ኢያ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 4 ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ መበል 80 ዓመታ ብዝሓደራ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለየት እታ ኣርቲስት፥ ስነ ስርዓት ቀብራ ሎ መዓልቲ ኣብ  ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ክፍፀም ኢዩ።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.