Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ንኣፍሪካ ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ባርሴሎና በዓልቲ ዋና ፈላማይ  መዳሊያ ወርቂ  ባለቤት ንዝኾነት ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። 

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦ፥ ርእሰ  ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፋሪያት ካሚል፣ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ፣ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ገዛህኝ ኣበራ ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌዴሬሽን ኣይተ ቢልልኝ መቆያ ናይ ኦሮሚያ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኣይተ ነጋ ቱጁባን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም። 

ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ኮ/ር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዘመዝገበቶ ውፅኢት፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1992 ኣብ ባርሴሎና ኦሊምፒክ  ብ10,000 ሜትሮ ውድድር ወርቂ ሜዳልያ፣ ኣብ ኦሊምፒካት፣ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮናታት ዓለም፣ ኣብ ውድድር ዓለም ሃገር አቋራፂ፣ ኣብ ኮንቲኔንታል ካፕ፣ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፣ ኣፍሪካ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና፣ ዓለም ኣትሌቲክስ ፋይናል፣ ጎልደን ሊግ፣ ኢንተርናሽናል ማራቶንን ኢትዮጵያ ኣትሌቲክሰ ሻምፒዮናትን ብድምሩ ልዕሊ 13 ወርቂ፣ 2 ብሩር፣ 1 ነሓስን 3 ዲፕሎማታትን ንሃገራ ኣበርኪታ ኢያ። 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ 

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana 

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/ 

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision 

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna 

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.