Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ብሓደጋ ኣውሮፕላን ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርሃ ግብሪ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ብሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣውሮፕላን ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ተሳሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ሓደጋ ኣውሮፕላን ኣብ ዝበፅሐሉ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከባቢ ወረዳ ገምቢቹ ቀበሌ ቱሉፋራ ስድራ ቤትን ፈተውቲን ናይ መወትቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመፅኡ ስድራ ቤት መወትቲ ተረኺቦ ኢዮም።

ንብረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ኣውሮፕላን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ እናተጉዓዘት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሃንደበታዊ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዘጋጠማ፥ ቅድሚ ሓደ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ኣታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ 149 መንገደኛታትን ሸሞንተ ሰራሕተኛታት በረራን፥ ብሓፈሻ ካብ 33 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 157 ሰባት በቲ ሓደጋ ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ምሕላፉ ይዝከር።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ተገይሩ ድማ እቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ፀገም ሶፍትዌር ምዃኑ ገሊፁ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

መበገሲ ምኽንያት ናቲ ሓደጋ ኣውሮፕላን እናመርመረ ዝፀንሐ ጉጅለ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ፀብፃብ ትማሊ ዕላዊ ገይሩ ኢዩ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ዕላዊ ዝገበሮ ውፂኢት ምርመራ ናይቲ ሓደጋ ድማ ብሓፈሻ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ፀገም ዲዛይን እታ ኣውሮፕላን ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.