Fana: At a Speed of Life!

መስሕብ ቦታታት ብግቡእ ሓሊኻ ብምፍላጥ ካብ ዓውዲ ቱሩዝም ተጠቀምቲ ንምዃን ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝምን ሓድጊታትን ብግቡእ ሓሊኻ ብምፍላጥ ካብ ዓውዲ ቱሩዝም ተጠቀምቲ ንምዃን ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊም።

በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ “ዝተረኸበ ሰላም ብምጥቃም በዓል መስቀል ምኽባር ከምዝኸኣልና ኣብታ ክልል ዝርከቡ መስሕብ ቦታታት እናሓለና መስሕብ ቱሪስት ክንገብሮም ይግባል” ኢሎም።

ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምቅልጣፍ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዝተጀመረ ዝተዋደደ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣይተ ጌታቸው ኣረጋጊፆም።

በቢብርኩ ዝርከቡ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ምሁራንን ኣካል መፍትሒ ፀገም ኮይኖም ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ከተማ ኣብ ዝተኸበረ በዓል መስቀል፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ምእመናንን ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.