Fana: At a Speed of Life!

መስርሕ ካሕሳ መሬት ገጠርን ከተማን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ክልል ትግራይ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እናዘተየ ዝፀንሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ትማሊ 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝጀመረ ስሩዕ ኣኼባ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣጀንዳታት ዝርኣየ ኮይኑ ውሳነታት እውን ከምዘሕለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ስሩዕ ኣኼብኡ ንውሕ ንዝበለ እዋን እናተሰርሓሉ ዝፀንሐ መስርሕ ካሕሳ መሬት ገጠርን ከተማን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ዓሚቕ ምይይጥ ተገይርሉ ክፀዲቕ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ደንቢ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ፍትሓውነት ካሕሳ መሬት ዝለዓሉ ዝነበሩ ሕቶታትን ጥርዓናትን ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ከቃልል ከምዝኽእል ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር እምነት ኣሕዲርሉ ኣሎ።

ንረብሓ ህዝቢ ተባሂሉ ኣብ ዝልቀቕ መሬት ዘለዉ ሰብ መሰል ካሕሳ ክረኽቡ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ብቀዋሚነት እግሪ ናይ ምትካል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ከም ሓደ ዓንዲ መበገሲ ተገይሩ ከምዝተወሰደ ተሓቢሩ።

ኢንቨስትመንት ትግራይ ንምትብባዕ ተባሂሉ ዝቐረበ ረቂቕ መምርሒ ምምሕልላፍን ምምሕዳርን መሬት ኢንቨስትመንት እውን ካብቶም ዝርዝር ምይይጥን ክትዓትን ዝተገበረሉ ኣጀንዳ ሓደ እንትኾን፥ ኣድላይ ዝበሃል ምትዕርራይ ተገይርሉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ተወሲኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ካልኦት ክልላዊ ኣጀንዳታት ውሳነታት ብምሕላፍን ኣንፈታት ብምሕባርን ከምኡ ድማ ኣብ ቀፃሊ ኣኼብኡ ዝርእዮም ዋኒናት ብምንፃርን ኣኼብኡ ከምዝዛዘመ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.