Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካ ኣብ ማላዊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካ ኣብ ማላዊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት መርብ ሓበሬታ ኣመልኪቶም እናተዛተዩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

“መርብበ ሓበሬታ ንጥንካረን ሓድነትን ደቂ ሰባት!” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ፥ ተመጣጣኒን ትርጉም ዘለዎን ተበፃሕነት መርበብ ሓበሬታ፣ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ፣ ሓለዋ ውልቀ ዳታ፣ ክእለት ዲጂታልን መሰረተ ልምዓትን ዝምልከቱ ዛዕባታት ልዝብ ይግበረሎም ኣሎ ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንተተኣናግዶ መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ተሞክሮ ትረኽበሉ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እተን ሚኒትር ዲኤታ፥ኣፍሪካ ኣብ ቀፃሊ ዕፃ መርበብ ሓበሬታ ኣድሂቦም ኣብ ዝግበሩ ልዝባትን ውሳነታትን ከም ኣህጉር ንቕሕቲ ተሳታፊት ክትከውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

መበል 17 ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ካብ 19 ክሳብ 23 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.