Fana: At a Speed of Life!

መበል 12 ጉባኤ ጣና ፎረም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲመበል 12 ጉባኤ ጣና ፎረም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ደክተር ይልቃል ከፋለ÷ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ጉባኤ ጣና ፎረም 2015 ዓ.ም ኣመልኪቶም ምስ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ፎረም ተዛቲዮም።

ጣና ፎረም ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣፍሪካ መፍትሒ ንምትእልላሽ ዝተጣየሸን ኣብ ኢኮኖሚ፣ ሰላም፣ ምትእስሳር ንግዲን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣተኲሩ ዝዝቲ ኣፍሪካዊ ናፃ ትካል ኢዩ፡፡

መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ብምዝታይ ኣንፈት ዘቕምጡሉ ጣና ፎረም በቢዓመቱ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝካየድ ይፍለጥ፡፡

ልዕሊ 250 ዝኾኑ ኣፍሪካውያን ተሳተፍቲ እቲ ፎረም ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጉዳዮም ተራኺም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.