Fana: At a Speed of Life!

መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሎሚ ንጎሆ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድፍዕ ተተኩይሱ።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምዃን ኣብ ልዕሊ ወራሪ ጣሊያን ዓወት ዘመዝገቡሉ እቲ በዓል፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ክኽበር ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ በዓል ብዝምልከት ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዓወት ዓድዋ ንጉዕዞ ምዕባለ ክንጥቀመሉ እንኽእል ልዑል ሃፍትና ኢዩ ኢሎም።

ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ሓድነት ዘለና ብዙሓት ምዃንና ዘርኣናሉ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.