Fana: At a Speed of Life!

መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንሰላምና፣ ሕብረትናን ሃገራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ 2 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ተኸቢሩ።
እቲ በዓል በቢዓመቱ ዝተፈላለዩ መሪሕ ቃላት እናተመረፀሉ፥ ብፌዴራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ምንነት፣ ውክልናን ትርጉምን ሰንደቕ ዕላማ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣዋጅ ሰንደቕ ዓላማ ዝገልፁ ሰነዳት ብወፍሪ መድረኽ ህዝቢ እናተኸበረ ምፅንሑ ተሓቢሩ።
እቲ በዓል ሎሚ ዘበን እውን ንመበል 13 ግዘ ዝኽበር እንትኸውን፥ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብብርኪ ፌዴራል ክልልን ምምሕዳር ከተማታትን ንምኽባር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ከምዝበልኡ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ኩርዓት፣ ክብሪ ከምኡውን ልዑል ስምዒት ሃገር ብሓደ ጊዘ ካብ ዝሕዙ ሒደት ጉዳያት ሰንደቕ ዓላማ ሓደን ቀንዲን ኢዩ።
ሰንደቕ ዓላማ ናፅነት፣ ሉእላውነት ከምኡውን ሕገ መንግስታዊ መረጋገፂ ሓንቲ ሃገር ኢዩ ኢለን።
ኣብቲ ኣብ ቀፅሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተኻየደ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፣ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴሪኢ ወ/ቆ መዓዛ ኣሸናፊ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ከምኡውን ተፀዋዕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተረኺቦም።
ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰንደቕ ዕላማ ቁፅሪ 863/2006 ዓ/ም አንቀጽ 2፥ ብሄራዊ በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ በቢዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ምስኣተወ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ትርከብ ሰኑይ ንኽኽበር ከምዝተደንገገ ይፍለጥ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.