Fana: At a Speed of Life!

መበል 19 ስሩዕ ጉባኤ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 19 ስሩዕ ጉባኤ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ÷ “ከባቢያዊ ፀገማት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዕድላት ምጥቃም፣ ምትሕብባር ምድንፋዕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ሳንዶካን ደበበ፣ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ሓለዋ ከባቢ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሞያ ተሓለቕቲ ሓለዋ ከባቢን ተረኺቦም።

ክሳብ 12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ÷ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት እናሕደሮ ዝርከብ ፅዕንቶ ጠሚቶም ኣብ ዝቐርቡ ፀብፃባት፣ እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማትን መፍትሒ ኣንፈታትም ምኽክር ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.