Fana: At a Speed of Life!

መበል 22 ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 22 ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንዝካየድ መረፃ ላዕለዋይ አመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምድላው ኣመልኪቱ ዝቐረበ ፀብፃብ ተመልኪቱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞሪታንያ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕን መሃመድ ሳሌም ኦሉድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ መረፃ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ኣፍሪካ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣር ዝህልዋ ግደ ዘደንፍዕ ክኸውን ይግባእ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ÷ እቲ መረፃ ተኣማንነት እቲ ሕብረት ብምሕላው ዝተቐመጡ መምርሒታትን ደምቢታትን ብምኽባር ንቦታታት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ምክያዱ ምርግጋፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግንዛቦም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.