Fana: At a Speed of Life!

መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 39 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ዝቕፅል ሰንበት 18 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መበገሲኢን መዛዘሚኡን ኣብ ሰሚት ዝገብር እቲ ውድድር ማራቶን÷ ካብ 12 ክለባት፣ 2 ክልላትን 1 ምምሕዳር ከተማን ዝተውፃእፅኡ 354 ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክሳተፉ ኢዮም።

ነቲ ውድድር ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ከምዝሰናድአን ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ንዝወፅኡ ኣትሌታት ሽልማት ከምዝብርከትን ተገሊፁ፡፡

ኣትሌት ደጊቱ ኣዝመራው፣ ወርቅነሽ ኣለሙ፣ ሃይለማርያም ኪሮስን ሂርጶ ሸኖን ሓዊሱ ፍሉጣት ኣትሌታት ኣብቲ ውድድር ከምዝካፈሉ ተሓቢሩ፡፡

መበል 38 ውድድር ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ባሕር ዳር ከምዝተኻየደ ይዝከር፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.