Fana: At a Speed of Life!

መበል 41 ኣኼባ ቀዋሚ ልኡኽ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 41 ኣኼባ ቀዋሚ ልኡኽ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣቲ ኣኼባ “ስነ-ጥበብ፣ ባህሊን ሓድጊን ንደሊያ ኣፍሪካ ንምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ሓበሬታ እቲ ሕብረት ኣመላኺቱ፡፡

ካብ ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ ዝካየድ እዚ ኣኼባ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቡ ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ስራሕቲ ምንቅስቓስ ንኡስ ኮሚቴታት እቲ ቀዋሚ መልእኽተኛታት፣ ፀብፃብ ፍሉይ ኮሚቴታት ቴክኒክ፣ ፀብፃብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ክፍሊታት ስራሕ እቲ ሕብረተን ኣካላትን ክንውን ስራሕ ዝሓለፈ ዓመትን ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ንክልተ መዓልቲ ዝካየድ እቲ ኣኼባ፥ ኣብ መበል 38 ኣኼባ ቤት ምኽሪፈፀምቲ ስራሕ መዛተዪ ዛዕባ ክሕንፅፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.