Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይን ሙሁራንን ክልል ትግራይ ንሰለስተ መዓልቲታት ዘካየዱዎ ዘተ በዓል 8 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይን ሙሁራትን ክልል ትግራይ ንሰለስተ መዓልቲታት ዘካየዱዎ ዘተ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሞም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ኣብ ዘውፅኡዎ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም÷ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ደጊፎም ንተግባራዊነቱ ዝኸኣሉዎ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ህወሓት መንግስቲ ፌዴራል ዝጀመሮ ፃዕሪ ብምድጋፍ ነቲ ስምምዕነት ሰላም ቆራፃት ንኽኸውን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ከይዲ ለውጢ ኢትዮጵያ፣ ስምምዕነት ሰላምን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዘተኮረ ኢዩ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ÷ ኣብቲ ክልልለውጢ ዝደልዩ ኣካላት ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ጥንኩር ልዝብ ከምዝገበሩ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ውፅኢት እናተመዝገቡሉ ከምዝኾነ ሓበራዊ ግንዝባ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ድማ ሃገር ንምስጋር ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ብዝሃነት ሓሳብ ንኸዓስል፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ክድንፍዕ ብዝተወደበ መገዲ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.