Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ከተማ ደሴ ሸሊኾም ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎም ንፖሊስ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መናእሰይ ከተማ ደሴ ልዕሊ 10 ሬድዮ ዝሓዙን መሳርሒ ዝተዓጠቑን ሸሊኾም ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎም ንፖሊስ ኣረኪቦም።

መናእሰይ እታ ከተማ ተወዲቦም ሰላም ከባቢኦም ንምሕላው እናገበሩዎ ኣብ ዝርከቡ ፃዕሪ፥ ኣብ ኬላ ጢጣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኢዮም ነቶም ሸሊኾም ዝኣተዉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎምዎም፡፡

ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ጋዜጣኛታት ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዘዘራረቡዎም መናእሰይ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም መናእሰይ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዃን ኩነታት ፀፅታ እታ ከተማን ከባቢኣን እናሓለዉ ይርከቡ።

ብመሰረት እዚ መናእሰይን ኣካላት ፀፅታን ተሓባቢሮም ኣብ ኬላ ጢጣ ልዕሊ 10 መራኸቢ ሬዲዮ ዝሓዙን ዝተዓጠቑን ሸሊኾም ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓሉ መተሓባበረ እቶም መናእሰይ ዝኾነ ጀማል ካሳ ተዛሪቡ።

መንእሰይ ጃማል ከምዝበሎ፥ መንእሰይ እታ ከተማ ኣቐዲሙ ስልጠና ከምዝተውሃቦን ብዝተውሃቦ ስልጠና መሰረት ብምግባርን ኣብ ወሰንቲ ዝበሃሉ ከባቢታት እታ ከተማ ተዋፊሩ ሓለዋ እናገበረ ይርከብ ኢሉ።

ከዚህም ባለፈ የከተማዋ ወጣት ወደ ግንባር እየሄደ ድጋፍ እያደረገ መሆኑን አስተባባሪው ገልጿል

መንእሰይ እታ ከተማ ካብዚ ሓሊፉ፥ ናብ ግምባር እናኸደ ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ እቲ መተሓባበሪ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.