Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንመጣየሺ ካብ ስደት ተመለስቲ ዝውዕል ፕሮጀክት ሓገዝ 1 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንመጣየሺ ካብ ስደት ተመለስቲ ዝውዕል ፕሮጀክት ሓገዝ 1 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ካብ ስዑድ ዓረብ ዝምለሱ ልዕሊ 18 ሺሕ ዜጋታት ንምቕባልን ኣብ መዕቖቢ ብዝዓርፉ ተመለስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ንመሃብ ከምኡ እውን ዘይሕጋውያን ዝውውር ሰባት ንምክልኻል ዘኽእሉ ንሕብረተሰብ ግንዛበ ንምፍጣር ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ዓሊ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪበን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ፉሃድ ኦባይዱላህ ብግደኦም÷ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ መንግስቲ ንቐፃሊ ሓገዝ ምግባሩ ከምዝቕፅልን ካብ ስደት ተመለስቲ ንምጥያሽ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ከምኡ እውን ብዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር ከምዝትግበር ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.