Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ትግራይ ብሕልፈት ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን ሕልፈት ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ኣመሓላሊፉ።

መንግስቲ እቲ ክልል ብቢሮ ርክብ ህዘብን መንግስትን ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብሃንደበታዊ ዕረፍቲ ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብሽም መንግስቲን ህዝብን ክልል ትግራይ ገሊፁ ኣሎ።

ንኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ዕረፍቲ ነብሲ፥ ንስድርኡ፣ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ኣፍቀርቲ ስፖርተን ድማ ፅንዓት ተመኒዩ።

ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም፥ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብቕድሚ ትማሊ ምሸት 26 ጥሪ 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ከምዝተፈለየ ይፍለጥ።

ኣትሌት ኣባዲ ኣበ ዞባ ደቡብ እንዳ ሞኾኒ ፍሉይ ሽሙ ጣብያ ስምረት ብ1990 ዓ.ም ተወሊዱ።

ናይ ኣትሌትክስ ህይወቱ ድማ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ አትሌቲክሽ እንዳ ሞኾኒ ዝጀመረ ንንትኸውን፥ ብምቕፃል ድማ ኣብ ማይጨው ማእኸል መሰልጠኒ ኣትሌትክስ ኣትዩ ስልጠንኡ ዛዚሙ ኢዩ።

ድሕሪ እዙይ ኣባል ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ኾይኑ ህይወቱ ክሻብ ዝሓለፈትሉ ዕለት ንጋንትኡ፣ ክልሉን ሃገሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት እናተሳተፈ፣ እናተዓወተን እናገልገለን ፀኒሑ።

ስነ-ስርዓት ቀበሪ ኣትሌት ኣባዲ ሓዱሽ ሎሚ መዓልቲ ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ፣ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ፣ ጋንትኡን ካልኦት ሓለፍቲን ኣብዝተረኸቡሉ ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ጣብያ ስምረት እንዳሞኾኒ ክፍፀም ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.