Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ቻይና ኣስታት 400 ሺሕ ዶላር ዝዋግኡ ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ቻይና ኣስታት 400 ሺሕ ዶላር ዝዋግኡ ሞት ህፃናትን ሕንጠያትን ንምክልኻል ዘኽእል ናውቲታት ሕክምና ንሚኒስቴር ጥዕና ኣረኪቡ።

እቲ ሓገዝ ኣብ  ክልል ትግራይን ደቡብን ኣብ ዝርከቡ ክልተ ዞባታት ዘለዉ ህፃናትን ሕንጠያትን ጥዕና ንምምሕያሽን ሞት ንምክልኻልን ከምኡውን ትካላት ጥዕና ንምግፋሕ ምስ ዝተትሓዘ ፕሮጀክት 1 ሚሊየን ዶላር ዝካተት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ናውቲ ንቐዳማይ ብርኪ ሆስፒታላት፣ ጣብያታትን መደብራትን ጥዕና ዝወሃብ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ነቲ ሓገዝ ዝተቐበላ  ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ሓገዝ ንዝገበሩ መንግስቲ ቻይናን ዩኒሴፍን ብምምስጋን ካልኦት ኣካላት እውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.