Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ናፃ ኣብ ዝወፁ ከባብታት ክልል ሰብኣዊ ሓገዝን ናውትታት ሕክምናን ምቕራብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ናፃ ኣብ ዝወፁ ከባብታት ክልል ትግራይ፤ ሰብኣዊ ሓገዝን ናውትታት ሕክምናን ምቕራብ ጀሚሩ።

ኮምሽነር ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ፌደራል ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም ከምዝገለፅዎ÷ መንግስቲ ቅድሚ ሐዚ እናገበሮ ከምዝፀንሐ ዘይተቋረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ እናቕረበ ይርከብ።

መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል÷ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 3 ሽሕ ኩንታል ጥረምረ ሃነፅቲ ምግብታት ናፃ ናብ ዝወፁ ከባቢታት ትግራይ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ብዘይምቁራፅ ሰብኣዊ ድጋፍ ይገብር ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ ብተወሳኺ 3ተ ናይ ፅዕነት መኻይን ኣፋውስ ሕክምናን፣ መገልገሊ ናውቲ ሕክምናን ፅዒነን ናብ ነፃ ዝኾኑ ከባቢታት እቲ ክልል ይለኣኻ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን ኲናት ዝተቛረፀ ስሩዕ ኣገልግሎት ንክጅምርን፣ ዝዓነዋ ትካላት ኣገልግሎት ንኽህባን፤ መንግስቲ ሰፊሕ ናይ ፅገና ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሰብኣዊ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ኮሚሽነር ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.