Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኔዘርላንድ ብር 67 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኔዘርላንድ ካርድ ኤይድ ምስ ዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ብር 67 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊን መሐከሚን ኮቪድ-19 ሓገዝ ምግባሩ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ ተረኪቦምዎ።

ዶክተር ደረጀ ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም፤ እቲ ሓገዝ ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ዘይርከብን ኮቪድ-19 ንምሕካም ዘገልግሉ ፀረ ባክቴሪያ ኣፋውስ ዘካተተ ምዃኑን ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ንህፃናት፣ መናእሰይን በፃሓትን ዝኸውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ጓንት፣ ሳኒታይዘር፣ ኣፋውስ፣ ፈሳሽ ሳሙናን ፀረ ባክቴሪያ ኣፋውስን ዘካተተ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.