Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓለውቲ ዶብ ሱዒዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ተፈፂሙ ዝተብሃለ መቕተልቲ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓለውቲ ዶብ ሱዒዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ተፈፂሙ ዝተብሃለ መቕተልቲ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ዝወፅአ ፀብፃብ ሂዩማን ራይትስ ዋች መፅራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ብምዃን ከትትል ከምዝገብረሉ ገሊፁ።

እቲ ምፅራይ ተዛዚሙ ግልፂ ክሳብ ዝግበር ዘየድልዩ ግምታት ምውጋድ ከምዘድሊ እቲ ሚኒስቴር ኣገንዚቡ።

ክልቲአን ሃገራት ተመሳሰልቲ ተግባራት ዘውግዛ ኢየን ብምባል፥ እተን ሃገራት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ሕውነት ከምዘለወን እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ኣዘኻኺሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.