Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ተዓጊቶም ዝነበሩ 6 ዜጋታት ጂቡቲ ክልቀቑ ገይሩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሩድ ብዝበሃሉ ብዕጡቓት ተዓጊቶም ዝነበሩ ሽዱሽተ ዜጋታት ጂቡቲ ብሰላማዊ ከፍተሖም ከምዝኸኣለ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክቶሬት ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ፍሰሃ ሽዋል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ክልል ዓፋር ብምትሕብባር፤ ፍሩድ ዝበሃል ዕጡቕ ዝዓገቶም ሽዱሽተ ዜጋታት ጂቡቲ ክልቀቑ ገይሩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት ብሰላማዊ መገዲ ከፍትሖም ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር÷ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ፀገማት ፀፅታንምፍታሕ ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

እቶም ዜጋታት ንመንግስቲ ጂቡቲ ከምዝተመሓላለፉ እውን ተዛሪቦም።

ብኣሸናፊ ሽብሩን ምስክር ተስፋዬን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.