Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ መበረታትዒ ከምዘቕርብ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ቀረብ ሓይሊ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ምስ ታክሲ ዝተተሓሓዙ መበረታትዒታት ሓዊሱ መሬት ብናፃ ክሳብ ምቕራብ ዝበፅሕ ዝተፈላለዩ መበረታትዒታት ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ኣማራፂ ሓይሊ ዝመክር መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ÷ ልምዓት ሃፍቲ ኢነርጂ ብወፃኢ መንግስቲ ጥራሕ ክሽፈን ስለዘይኽእል ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ይጠልብ፡፡

ሰብ ሃፍቲ ዘፈር ውልቀ፥ “ከም ሃገር ካብ ማይ ካብ ዝፍልፍል ሓይሊ ኤሌትሪክ ብተወሳኺ ኣብ ኣማራፂታት ሓይሊ ፀሓይ፣ ንፋስን ትሑት ሓይሊ ኤሌክትሪክን እንተዝሳተፉ፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ኩሎም ዜጋታት ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግባር ዝግበረ ፃዕሪ ሓገዝቲ ምኾኑ” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀረብ ሓይሊ ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዘፈር ውልቀ፥ መንግስቲ ምስ ታክስ ዝተሓሓዙ መበረታትዒታት ሓዊሱ ናፃ መሬት ክሳብ ምቕራብ ዝበፅሕ ዝተፈላለየ መበረታትዒ ከምዝገብር ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.