Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ሓደጋታት ተፈጥሮ 11 ቢሊየን ብር ሰሊዑ ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ሓደጋታት ተፈጥሮ 11 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ስራሕቲ ሓገዝ እናሰርሐ ምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ድርቂ ናብ ጥሜት ተቐይሩ ዝብሉ ሓበሬታታት ካሊእ ዕላማ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ዘዘዋውሩዎ እምበር ሳይንሳዊን ሓቀኛ መሰረት የብሉን፡፡

ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ ኣብ ምግዋሕ ዝርከቡ ወገናት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ድርቂ ድሕሪ ምግጣሙ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ምፅንሑ ብምሕባር÷ መሓዙት ትካላት ተራድኦ ዝገበሩዎ ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ሓገዝ ሓዊሱ ብሓፈሻ ንሰብኣዊነት ዝውዕል 15 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ድርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ዞባታት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሸሞንተ ዞባታት፣ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ዞባታት ከምዘጋጠመ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር÷ ተጎዳእቲ ንምብፃሕ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም ኮሚሽነር ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ሕዚ እውን ፀገማት ፀፅታ ፈተና ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.