Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ህይወት ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ ምስ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ኣብቲ ክልል ዘሎ ምንቅስቓስ ናብ ዝነበሮ ንቡር ኩነታት ንኽምለስ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ክልል ምስ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ተተሓሒዙ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብዘይገደብ ሓገዝ እናቕረባ ከምዝኾና ዝገለፀ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ክሳብ ሕዚ ን3 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ፡፡

ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓሊፉ ድማ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀገም ፀፅታ፣ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ንምፍታሕን ምንቅስቓሳት ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ንምግባርን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ድማ ምስ ድጋፍ ወሃብቲ ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡

መንግስቲ ዝተረጋገአት፣ ሰላማዊትን ንነበርታ ትምቹን ትግራይ ንምህናፅ ቆራፅ ኢዩ እውን ኢሉ፡፡

እቲ መግለፂ፥ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነብሩ ሰላማዊ ዜጋታት ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝተቓልዑ ገሊፁ፡፡

ነቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣቢያተ ህንፀት እቲ ክልል ዝነበሩን በቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተለቐቑ ልዕሊ 10 ሺሕ ተሃነፅቲ ፈፂሞምዎ ዝተብሃለ ገበን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ኣለዉ ዝተብሃሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምርመራን ምፅራይን እናገበረሎም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

በቲ ዝርከብ ውፅኢት ምርመራ ስዒቡ ድማ መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.