Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣብ ወለዶ ብምስራሕ፤ ሃገር ናይ ምስጋር ስራሕ ብኣድህቦ ይሰርሕ ኣሎ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ወለዶ ብምስራሕ፤ ሃገር ናይ ምሽጋር ስራሕ ብኣድህቦ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ህንፀቱ ዝተዛዘመ 2ይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር መሪቖም ከፊቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፤ ኣፍቲ ስነ-ስርዓት ምርቓት ከምዝበልዎ÷ መንግስቲ ኣብ ወለዶ ብምስራሕ ሃገር ናይ ምስጋር ስራሕ ብኣድህቦ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

ካልኣይ ምዕራፍ ሕዉነት፤ ዕሸላት ዝፃዉትሉ ጊዝየኦም ዘሕልፍሉ ፕሮጀክትታት ዝሓዘ ምኻኑ ገሊፆም፡፡

“ኣብ ዕሸላት ምስራሕ፤ ኣካል ምህናፅ ናይ ፅባሕ ሃገር እዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣፍቲ ፕሮጀክት ዘለዉ መፃወቲ ዕሸላት፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናገበሩ ኣእምሮኦም ዝሕድስሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

2ይ ምዕራፍ ሕዉነት ንሓደ ሰሙን ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ፤ ብናፃ ምጉብናይ ከምዝኽእል እውን ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርቓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እታ ከተማን ተረኺቦም፡፡

ሓምለዋይ ልምዓት ወሰን ሩባ 2ይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ምፅባቕ ሸገር÷ ኣዲስ ኣበባ ንናብራ ምችውቲን፣ ንሽማ ዝምጥን ምስሊ ክህልዋ ብምግባር ናይ ባዕሉ ግደ ንኸበርክት ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.