Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ህዝቢ እቲ ክልል ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ህዝቢ እቲ ክልል ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ተዛሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ መንግስቲ እቲ ክልል ንብዙሓት ርእሰ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ተሳትፎ ህዝቢ ብምጥንኻር ንሓደሽቲ ፕሮጀክቲታት  ዝኸውን ኩነታት ኣብ ምጥዕዓምን ንቐፃሊ ዓመት መድላው ኣብ ምግባርን ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክቲታት ዝነኣድ ስራሕ ከምዝተርሐ ብምግላፅ፥ 11 ሺሕን 1 ፕሮጀክቲታት ብ31 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምዝዛም ነኣገልግሎት ድልዋት ንክኾኑ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

እቶም ፕሮጀክቲታት ብ23 ቢሊየን ብር ግምት ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝተሸፈኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ብናይ ሓጋይ መስኑ ልዕሊ 382 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ አወን ገሊፆም።

ብይድነቃቸው ሃይለማርያም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.