Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ኣምኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ቅሬትኡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ኣምኪቶም ዘውፅኡዎ መግለፂ ዝተሰመዖ ቅርታ ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ እቲ ኮሚሽን ህወሓት ንስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምጥሓስ ብዛዕባ ዝፈፀሞ ጎነፅ ፃሕታራይነት ምንም ዘይምባሉ ኣልዒሉ።

እቲ ኮሚሽን ንሰላምን ድሕንነትን ስግኣት ኣብ ዝኾኑ ጉዳያ ናይ ምዝራብ ይኹ ናይ ምውሳን ስልጣን ከምዘይብሉ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ንኽወስድ ዘቕረቦ ፃውዒት እውን ሓላፍነት ዝጎደሎ ባህሪ እቲ ኮሚሽን ከምዘርኢ ገሊፁ።

“እዚ ድማ መንግስቲ ምንቅስቓስን ስራሕን እቲ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ብዝብል ዘልዐሎ ሓሳብ ዘረጋገፀ ኮይኑ ኣሎ እውን ኢሉ እቲ መግለፂ።

እቲ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ንምግባር እናተጠቐመሉ ይርከብ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ እዚ ኣካይድኡ ድማ ሓቀኛ መንነት እቲ ኮሚሽን ዘቃለዐ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ንመግለፂ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ውዱቕ ዝገበረ እቲ ሚኒስቴር፥ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባርን ክኽበር ብምግባርን ጥፍኣተኛታት ናብ ሕ ንምቕራብ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.