Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣብ ምቑፅፃርን ኢኮኖሚ ንክመሓየሽን ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓንቲ ሃገር ብኢኮኖሚ ማዕቢላ ንክትብሃል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈርዩ ፍርያታት ምዕባይን ንካልኦት ሃገራት ሰደድ ምግባር ብቐንዲ ይፅርሑ ክብሉ ምስ ጣብያና ፃንሒት ዝገበሩ በዓል ሞያ ስነ-ቑጠባ ኣይተ ሙሉጌታ ሓድጉ ገሊፆም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ 19 ኢኮኖሚ ዓለም ንክደቕቅ ገይርዎ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሙሉጌታ ፤ኢትዮጵያ እውን ካብዚኣተን ሓንቲ ምዃናን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፍል ሃገርና ብዝተልዓለ ኲናት እታ ሃገር  ንዝኸፍአ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ክትሳጣሕ ከምዝገበራን ነዚ ስዒቡ ድማ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ንክጋደድ ሰንኪ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

መንግስቲ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣብ ምቑፅፃርን ኢኮኖሚ ንክመሓየሽን ጠመተ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዉ ክብሉ ድማ ወሲኾም ገሊፆም ፡፡

ኣብ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ዝሓሸ ለውጢ ንምምፃእ ብፍሉይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ጠመተ ብምግባር ሕርሻና ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ ምሽግጋር ኣድላይ ኣማራፂ ዘይብሉን እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ሃገርና ዝተልዓለ ኲናት ከም ሃገር ነቲ ኢኮኖሚ ዝሃሰዮ እንተኾነ’ኳ ኣብ ክልል ትግራይ ብኣውርኡ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሙሉጌታ መንግስቲ መፅናዕቲ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ቐዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያትብምፍላይ ዳግመ ህንፀት ኢኮኖሚ ንምግባር ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብክንድሓፍቲ ሃይለስላሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.