Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዝሓዞ ትልሚ ንኸዕውት ብፅሒትና ክናዋፃእ ኢና – ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዝተጣየሸ መንግስቲ እዛ ሃገር ካብ ዘጋጠማ ሕልኽላኽ ፀገም ኣናጊፉ ተስፋ ዝተነበረሉ ጉዕዞ ምዕባለ ንኽገብር ኣብ ጎኑ ብምዃን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ከምዝተዳለወ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼኽ ሱልጣን ሓጅ ኣማን ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ፃንሒት ዕድሚኦም ዘሕለፉዎም መንግስታት ንኹሉ ዘካተተ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ምጥያሽ መንግስቲ ሪኦም ከም ዘይፈልጡ ኢዮም።

ብፍላይ ብቃልሲ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ዝተልዓለ ዝሓለፈ መንግስቲ ሕድሕድ ብምንኻስ፣ ሓደ ሃይማኖትን ብሄርን ንኻሊእ ክጠራጠርን ፀላኢ ክገብሮን ብሕቡእ እናሰርሐ ምፅንሑ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

እቲ ዝተጣየሸ መንግስቲ ተናሓናሕቲ ውድባት ብብርኪ ሚኒስትር ከካትት ምኽኣሉ ከም ሃገር ዘጋጠመ ኩለመዳይ ፀገም ኣውፂኡ ተስፋ ዝተነበረሉ ምዕባለ ጋህዲ ንምግባር ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

እዛ ሃገር ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ብዝግበር ምንቅስቓስ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ሕብረተሰብ እውንኣብ ጎኒ መንግስቲ ተሰሊፉ ናፅነትን ሉኣላዊነትን ሃገሩ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ብድኽነትና ከባጭዉ ንዝደልዩ ፀላእቲ ብስራሕ ክስዕሩዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.