Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘላቒ ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ – ኣይተ ታዬ ደንደኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘላቒ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ ገሊፆም።

ሴኪዩሪቲ ስተዲስ ዝተብሃለ ትካል ምስ ኦፕን ሶሳይቲ ኣፍሪካ ብምትሕበባር “ስምምዕነት ምቁራፅ ጎንፂ ናብ ኩለመዳይ ሃገራዊ ሰላም ምስግጋር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላመ ኣይተ ታዬ ደንደኣ፥ ስምምዕነት ሰላም ምስተገበረ ብክልቲኦም ኣካላት ሰላም ንኽፀንዕ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እቲ ስምምዕነት ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከምዝተጀመሩን ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝቐረቡን ነዚ መርኣያ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሕዚ ዝተፈጠረ ሰላም ዘላቒ ንኽኸውን ኮሚሽን ተሃድሶ ብምጥያሽ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ዜጋታት ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሶም ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ምቁራፅ ጎንፂ ናብ ዘላቒ ሃገራዊ ከይዲ ህንፀት ሰላም ንምቕያር ዝከኣለሉ ኩለመዳይ ምኽረ ሓሳብ ፖሊሲ ብምፍላይ ንመዳርግቲ ኣካላት ንምቕራብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.