Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ድኽዳኸ ህፃናት ንምቅራፍ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ትኹረት ዝገበረን ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐን መድረኽ ዘተ ብበይነ መርበብ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽዳኸ ህፃናት ንምቅራፍ ኣብ ምግብን ስርዓተ ምግብን ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ከምዝፀንሐን እናሰርሐ ከምዝኾነን ዶክተር ሊያ ኣረዲአን፡፡

ኣብ ትግበራ እቲ ፕሮግራም ኣስተዋፅኦ መዳረግቲ ኣካላት ምጥንኻር ከምዝግባእን ዓቅሚ ፋይናንስ ውሽጢ ሃገር ብምዕባይ ምዕራፍ ኢኖቬሽን ንምትግባርን ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡

ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ንምቕልጣፍን ዘላቂ ልምዓት ንምዕዋት ኣብ ዝተገበረ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስተራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ትካላትን ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ኣካላትን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ፈተነ ትግበራ ምዕራፍ ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ኣብ 2012  ዓ.ም ዝተጀመረ እንኸውን÷ ነቲ ፕሮግራም ንምዕዋት ዝተተሓዘ በጀት 477 ሚሊየን ብር ብቅልጡፍ ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ኣተሓላልዋ ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን፣ ኣብ ቐረብ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ኣብ ህንፀት ልምዓት መገድን ካልኦት ልምዓታትን ጠመተ ገይሩ ዝሰርሕ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.