Fana: At a Speed of Life!

“መኣዲ ንሃገር” ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መኣዲ ንሃገር ኢትዮጵያውያን፣ ትልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያንን ንምዕባለ ኢትዮጵያ ኣሰሮም ዘንብሩሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መኣዲ ንሃገር ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፥ “ገንዘብ፣ ፍልጠትን ጉልበትን ብምትእኽኻብ ተፈጥሮ ብዘይምርህውኽ መልክዑ ንበፃሕቲ ዓዲን ወፃኢን ምችውቲ ኢትዮጵያ ክንፈጥር ኢና” ኢሎም።

አብ መርሃ-ግብሪ መኣዲ ንሃገር ኣብ መጀመርታ ሰሙናት ወርሒ ጥቅቲ ብVIPን VVIPን ዝኽፍለሉ እንግዶት ድራር ክግበር ኢዩ።

መእተዊ ዋጋ ብር VVIP 10 ሚሊዮን እንትኸውን፥ VIP ድማ ብር 5 ሚሊዮን ክኽፈል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ከይዲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኩሎም ዜጋታት ኣሰሮም ንኽንብሩ ብኢትዮ ቴሌኮም ኣቢሉ መተኣኻኸቢ እቶት ሓፂር መልእኽቲ ከምዝዳሎ ተገሊፁ።

ዳያስፖራ ዝሳተፈሉ ገንዘብ ዝእከበሉ ባንኪ ኣካውንት ክኽፈት ኢዩ እውን ተባሂሉ።

ኣብ መኣዲ ንሃገር ብውሕዱ ብር 3 ቢሊየን ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብቲ ዝርከብ ኣታዊ ጎርጎራ፣ ወንጪን ኮይሻን ንምልማዕ ክውዕል ኢዩ።

“መኣዲ ንሃገር”ን “ማዲ ንሸገር”ን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ዝስፋሕፋሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.