Fana: At a Speed of Life!

መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዓውደ ምርኢት ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 15 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ምኽንያት ብምግባር መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዓውደ ምርኢት ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ይካየድ ኣሎ።

ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ማዕርነትን ንሓበራዊ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ዝርከብ እቲ በዓል፥ ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ሓድነት ብሄር ብሄረሰባት ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ጉዳያት ክቐርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ እቲ ዓውደ ምርኢት ባህሊ፣ ታሪኽን ሓድጊን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መድረኽ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር ምዃና ብምግላፅ፥ ብዙሓት ሓባራዊ ዝኾኑ መንነታት ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም፡፡

ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ንብሄር ብሄረሰባት ማዕረ ዕድል መሃብ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ኣፈጉባኤ፥ ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ህዝቢታት ባህሎም፣ ቋንቆኦምን ታሪኾምን ንምዕባይ ዝደንገገ ይኹን እምበር ብእኹል መጠን ከምዘይተሰርሐሉ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ዝተኸበሩ በዓላት ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ምቅርራብን ባህሎም ኣብ ምፍላጥን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ “ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ሕገ-መንግስቲን ፌዴራል ስርዓትን እኹል ግንዛበ ክሕዙ ኣይተገበረን” ኢሎም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ዘርፈሽዋል ንጉሴ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ኣዶ ኩሩዕን ዘደንቕን ህዝቢ ከምዝኾነት ገሊፀን።

ፀላኢ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኮይኑ እናሰርሐ ዝነበረ ጉጅለ ህወሓት፤ እቲ በዓል ኣብ ፅባሕ ብሰራዊት ምክልኻል ዝተሰዓረሉ ዝኽበር ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.