Fana: At a Speed of Life!

መዋስንቲ ቦታታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ካብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናፃ ከምዝኾና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብስፍሓት እናተንቀሳቐሰሎም ዝነበሩ መዋስንቲ ቦታታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ካብ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናፃ ከምዝኾና ነቲ ወፍሪ ዝመርሑ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ÷ ሕብረተሰብ ንምዝራፍን መስመራት ትራንስፖርት ንምዕፃውን ዝጥቀመሎም ከምኡ እውን ንስራሕቲ ግብረ ራዕዲ ምቹዋት ዝነበሩ ቦታታት ናፃ ምግባር ከምዝተኽኣለ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ኣፍሊጦም፡፡

ምድብተኛ ከቢድ መሳርሒ እቲ ወፍሪ ብወገኖም÷ ኣብ ልዕሊ ሸኔ እናተወሰደ ብዝርከብ ስጉምቲ ሓላፍነቶም ብብቕዓት እናተዋፅኡ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዝወሃቦም ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ብልዑል ሞራልን ተበግሶን ኣብ ምፍፃም ከምዝርከቡ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.