Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ኣብ መላእ ሃገር እናተኸበረ ይርከብ፡፡

እቲ ዕለት “ብራኸ ሰንደቕ ዕላማና ዋሕስ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትናን ሉኣላዊነትናን ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡

እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዝገልፅ መልክዑ ምስ መምርሒታት ሰንደቕ ዕላማ ተገናዚቡ ሃገራዊ ሪፎርም ኣብ ዘቐፅሉ ምይይጣት ተዓጂቡ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መላእ ሃገር ከምዝኽበር ተሓቢሩ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ትካላት መንግስቲ ፌዴራል፣ ክልላትን ክልቲኦም ምምሕዳር ከተማታትን፣ ካምቦታት ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ኣብ ኤምባሲታትን ሚሲዮናት ኢትዮጵያን ብድሙቕ ኩነታት እናተኸበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.