Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በቢዓመቱ ከም ኣቆፃፅራ መዓልቲ ኣውሮፓውያን 25 ጉንበት ዝኽበር መዓልቲ ኣፍሪካውያን ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ይኽበር ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ብኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተፈላለየ ኩነታት እናተኸበረ ዝመፅአ እቲ በዓል፥ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተዘኪሩ ከምዝውዕል እቲ ሕብረት ኣመላኺቱ።

ኣብቲ ኮንፈርንስ ቪዲዮ፥ “ድምፂ መሳርሒ ኲናት ምጥፋእ” ዝብል ናይዚ ዓመት መሪሕ ቓል እቲ ሕብረት ምስ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣተኣሳሲሩ ከምዝዛተየሉ ተገሊፁ።

ሕብረት ኣፍሪካ እቲ መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ምግለፂ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝተፈላለዩ መደባት ከተኣናገዱ ስለዘይከኣሉ ኣብቲ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ናይዚ ዓመት መሪሕ ቓል ኣብ እዋን እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብኸመይ ምዕዋት ይከኣል ኣብ ዝብል ዛዕባ ከምዝዝቲ ኣፍሊጡ።

ካብ መዓልቲ ኣፍሪካ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ክለተ ሶሙናት ክልተ ኮንፈረንሳት ከምዝሳለጡ እውን እቲ ሕብረት ገሊፁ።

መዓልቲ ኣፍሪካ፥ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪካ ብናይ ቀደም ሽሙ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 25 ጉንበት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተሉ ዕለት ንምዝካር ዝኸበር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.