Fana: At a Speed of Life!

መዕወኒ ሓሺሽ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርባዕተ ፌስታል መዕወኒ ሓሺሽ ኣብ ተሽከርካሪት ብምፅዓን እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስኣበባ ገሊፁ፡፡

ተጠርጠርቲ ዝተትሓዙ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወረዳ 01 ለቡ ሙዚቃ ቤት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ውልቀ ሰባት ቁፅሪ ሰሌዳ ኮድ 1-26732 ኣ.ኣ  ኣብ ዝኾነት ተሽከርካሪት ኣብ ዓበይቲ ፌስታላት ካናቢስ ዝተባህለ መዕወኒ ሓሽሽ ፅዒኖም እንተዘዋውሩ ፖሊስ ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሖ ሓሬታ ብዝገበሮ ክትትል እታ ተሽከርካሪት ሓዊሱ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ምስ ኤግዚቢቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

ፖሊስ ንገበን መልዐሊ ኣብ ዝኾኑን ዝህውኽ ተግባር ዝፍፀመሎምን ጫት መቕሐሚ ገዛውቲ ከምኡ እውን እንዳቁማር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.