Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ምድማፅ ባጀት 2017 ዓ.ም ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምድማፅ ባጀት 2017 ዓ.ም ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ተጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ሚኒስትር ዴኤታ እዮብ ተካለኝ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፥ ዕላማ ምድላው ባለት 2017 ዓ.ም መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣካል ዝኾነ ካብ 2016-2018 ዓ.ም ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ዝተቐመጡ ሸቶታት መፈፀምን  ስሉጥ፣ ፍትሓዊን ዘላቒ ምዕባለን ፖሊሲ መንግስቲ ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ባጀት ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን፣ ቱሪዝም፣ ባህልን ስፖርትን፣ እቶት ተገምጊሙ።

እቲ መድረኽ ክሳብ 9 ግንቦት 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ እንትኾን፥ ናይ ልዕሊ 160 ኣብያተ ዕዮ ፌዴራል ባጀት 2017 ዓ.ም ብምቕራብ ከምዝግምገም ምግላፁ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.