Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ርእይቶ ሰብ ሞያታት ኣብ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፃራዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘዳለዎ ካልኣይ መድረኽ ርእይቶ ሰብ ሞያታት ኣብ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያታት ርኢቶ እናሃቡ ይርከቡ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዝቐፀለ ኢዩ።
ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ እንትርቀቕ ዝነበሩ ሰባት ሓዊሱ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምሁራት ኣብቲ መድረኽ ዘተ ርኢቶኦም እናሃቡ ይርከቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብ እዋን ስግግር መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዝሰርሑ ሰብሞያታትን ዝተፈላለዩ ሰብሞያታት ሕጊን ሓሳቦም ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣድሂቡ ዝቐረበሉ ሕቶ ዝምልከቶም ትካላትን ሰብ ሞያታትን ርእይቶ ንክህብሉ ፃውዒት ምቕራቡ ስዒቡ ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.