Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ርእሰ ምምሕዳራትን ኣፈ ጉባኤታትን ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብኣሰናዳእነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝካየድ መድረኽ ዘተ ርእሰ ምምሕዳራትን ኣፈ ጉባኤታትን ኣብ ከተማ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

“ፅቡቕ ጉርብትና ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ መድረኸ ዘተ ጎረባብቲ ክልላት ሰሜንን ምዕራብን ኢትዮጵያ እናተሳለጠ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳራት ክልል ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ጋምቤላ፣ ኦሮሚያን ቤኒንሻንጉል ጉምዝን ከምኡ ኣፈ ጉባኤታት እተን ክልላት ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ሕድሕድ ርክብ ጎረባብቲ ክልላት ሕገ-መንግስቲ መሰረት ዝገበሩ፣ ስርዓት ፌዴራል ዘጠናኽሩ፣ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዘድህቡ ክኾኑ ይግበኦም ኢሎም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብ ዘተኮሩን ንህዝቢ ዘቀራርቡን ምርድዳእ ዝዓሰሎም ውፅኢታዊ ርክባት ክጉልብቱ ንምግባር ኣብ መርህታት ማዕርነት፣ ምሕዝነት፣ ሕውነታዊነት፣ ምክብባር፣ ምትእምማንን ምትሕብባርን ዝምራሕ ክኸውን ከምዝግበኦ ገሊፆም።

ቤት ምኽ ፌዴሬሽን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ርክብ መንግስታት ንምጉልባትን ኣብ ማዕርነትን ምፍቕቓድን ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓድነት ሱር ንኽሰድድ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝተጠናኸረ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ዕላማ ሕገ-መንግስቲ ጋህዲ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ሰላም፣ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕጊን ትኹረት ተግይሩ እንትስራሕ እውን ኢዩ ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስ ተዛተዩ ኣንፈት ከቐምጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝረኸባናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.