Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ኣዲስ ወግ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መድረኽ ዘተ ኣዲስ ወግ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣቢሉ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ “ካብ ታሪኽና እንታይ ንመሃር? ብኸመይ ብስነ ልቦና ንጠንክር?” ብዝብል ርእሲ ኢዩ እናተካየደ ዝርከብ።

ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያታት ዘጋጠሙ ፀገማት ምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብቲ መድረኽ ይዛተዩ ኣለዉ።

እቶም ሰብ ሞያታት ብመንፅር ታሪኽ ዘጋጠሙ ተጓንፎታት ዝተልዓሉ እንትኾኑ፥ እዞም ኣጋጣሚታት ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕሪታት፣ ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝነበሩ ፅቡቓት ኣጋጣሚታትን ኣልዒሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.