Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ኣፈ ጉባኤታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ላሊበላ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ኣፈ ጉባኤታት ፌዴራልን ክልላትን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ላሊበላ ክካየድ ኢዩ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎን ምክትሎም ወይዘሮ ሽታየ ምናለን ትማሊ ላሊበላ ኣቲዮም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራሕን ምክትል ኣፈጉባኤ እፀ ገነት መንግስቱን ከምኡ እውን ኣፈ ጉባኤታት ክልላት ኣብ ከተማ ላሊበላ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡

ከንቲባ ከተማ ላሊበላ ኣይተ ይልማ መርቅ ነቶም ኣፈ ጉባኤታት ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ኣፈ ጉባኤታት ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ውቑር ኣቢያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ዑደት ከምዝገበሩ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.