Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ወርሒ ፓርቲ ብልፅግና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓተ ወርሒ ፓርቲ ብልፅግና ተጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዘፈር ዋና ቤት ፅሕፈት ከምኡ እውን ሓለፍቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልላት ተረኺቦም።

ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓት ሃገረ-መንግስቲ ንምህናፅ፣ ተሳትፎ፣ ተረባሕነትን ዕግበትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ በቢብርኩ ዝርከቡ ውዳበታት እቲ ፓርቲ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣይተ ኣደም ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ደረጃ ባህሊ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ፣ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ፣ ኣብ ዝሓፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተረኸቡ ዝላታት ለውጢም ፅባሕ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ንህዝቢ ቃል ዝኣተወሎም ጉዳያት ብርኪ ተፈፃምነት ትኹረት ከምዝግበረሎም ኣብሪሆም፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓሙሽቲኦም ዓውዲታት ትኹረት ሃገራዊ ልምዓት ዝተረኸቡ ውፅኢታት፣ ተረኽ ብሄራዊነት ከም ሃገር ንምህናፅ ዝተኸየዱ ክያዶታት ከምኡ እውን ምድላው 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣብቲ መድረኽ ትኹረት ክግበረሎም ኢዩ” ምባሎም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.