Fana: At a Speed of Life!

መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ወለንታን ዶብ ዝሳገር ኣገልግሎት ወለንታውያን መናእሰይን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መጀመሪ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ወለንታ መናእሰይን ዶብ ሰገር ኣገልግሎት ወለንታውያን መናእሰይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኦርጎጌ ተስፋየ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣገልግሎት ወለንታ፥ “ሰናይ ተግባር ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ፥ ኣብዚ ዓመት ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ 19 ሚሊየን መናእሰይ ብ12 ዓውዲታት ምውፋር ከምዝሳተፉ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንዕዉትነት ትግበራ እቲ ፕሮግራም መናእሰይን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣፈፀምቲ ኣካላትን ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ንኽዋፅኡን ንብራኸ ኢትዮጵያ ሰናይ ኣሰር ንኸዕርፉን ፀዊዐን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.