Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይምንም ፀገም በረርኡ ኣብ ቻድ ንክቕፅል ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይምንም ፀገም በረርኡ ኣብ ቻድ ንክቕፅል ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ጌታቸው መንግስቴ ምስ ሴክሬታሪ ጄኔራል ሚኒስቴር ሲቪል አቪዬሽን ቻድ ማሃማት ሳለህ ዱጋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይምንም ፀገም በረርኡ ንክቕፅል ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣይተ ጌታቸው መንግስቴ፥ ክልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ኣቪዬሽን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ቻድ ዝገብሮ በረራ ካብ ታክስ ናፃ ዝገብር ሰነድ ስምምዕነት 2008 ዓ.ም.ፈ ምኽታሙ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር መንግስቲ ቻድ ነቲ ስምምዕነት ብዘይምፍፃሙ ታክስ ንክኽፈል ተደጋጋሚ ፅዕንቶ እንትግበር ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ሎሚ ዝተገበረ ስምምዕነት እቲ ፀገም ብምቕራፍ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይምንም ፀገም በረርኡ ንክቕፅል ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.