Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ፈላማይ በረራ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ድሕሪ 20 ዓመት ፈላማይ በረራ ገይሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ መዓልቲ ናብ ካራቺ ኣብ ዝገበሮ በረራ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ኣባላት ማሕበረሰብ ናብ ፓኪስታን ከምተጓዓዙን ኣብ ከተማ ካራቺ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎምን ተገሊፁ።

ካራቺ ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ እስያ መበል 37 መባፅሕቲ እንትትከውን÷ ብሓፈሻ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን መባፅሒኡ ናብ 145 ንኸዓቢ ኣኽኢሉዎ።

ኣብ ፈለማ በረራ ናበ ካራቺ ዘምረሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ÷ ሎሚ ኣብ ዝጅመር ፎረም ንግዲ ፓኪስታንን ኢትዮጵያን ከምዝሳተፍ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.