Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮ በረራ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮ በረራ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምቁራፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ን14 መዓልቲታት ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ (ኳራንቲን) ኣትዮም ንኽፀንሑ ግቡእ ከምዝተነበረሎም እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ኳራንቲን ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ሙሉእ ወፃኢኦም ብባዕሎመ ከምዝሽፍኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ኣብ ቤት ህንፅት እንድሕር ኣትዩ ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ኩነታት ክፍፀር ስለዝኽእል፥ ህፃናት ዘለዉወን ኣዴታት፣ እዋን ኣመክሮኦም ዝበፅሐን ቀሊል ክሲ ዘለዎምን ዜጋታት ንኽፍትሑ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም።

ትካላት ኣቢያተ እምነት ከከም ኩነታት እምነተን፥ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ነናይ ባዕለን ውሳነ ንኸመሓላልፋ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ምሸት መዘናግዒታትን ክለባትን ግልጋሎት ከይህባ ከምዝተኸልከለ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተርኣየ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ንኣብነት ብምኽንያት ምውላዕ እቲ ቫይረስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጥራሕ ልዕሊ 190 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሰኣነ ኣፍሊጦም።

ምስ ዘፈር ንግዲ ወፃኢ ተተሓሒዙ ድማ ብፍላይ ፍርያት ዕምበባን ጨርቃመርቂን ኢትዮጵያ ዝቕበላ ሃገራት ምቕባል ጠጠው ስለዘበላ እቲ ዓውዲ ልዑል ምንካይ ከምዘርኣየ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ምስ ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዙ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ብሄራ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ገምጋም እናካየደ ምኻኑ ብምግላፅ እቲ ፀገም ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍታሕ እንተኾይኑ እቲ መረፃ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ሰሌዳ ምክያድ ዝሐሸ ኣማራፂ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ይኹን እምበር ሓፈሻዊ ውፅኢቱ እቲ ቦርድ ዘቕርቦ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ዘተ ተገይሩ ውሳነ ከምዝመሓላለፍ ኣመልኪቶም።

ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ዝበፅሕ ዘሎ ምግላል ዝኾነኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ቫይረስ ዘርኢ፣ ቀለምን ሃይማኖትን ዘይፈሊ ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብ ካብ ከምዙይ ዓይነት ተግባር ንኽቑጠብ ኣተሓሳሲቦም።

ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተተሓሒዙ፥ ከምዙይ ዓይነት ዓለም ለኸ ፈተና እንተጋጥም ሰብ ዘለዎ ንዘይብሉ ዘካፍለሉ እምበር ካብ ዘይብሉ ዝውሰደሉ እዋን ክኸውን ኣይግባእን ኢሎም።

ኣብ ከምዙይ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈሩ ሰባት ግን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኢዮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝሓበሩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ፈሊኻ መፅንሒን ሕክምናን ቦታታት ኣብ ክልላት እናተዳለዉ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝተረኸበ ሓገዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ካብ ፋውንዴሽናት ጃክ ማን ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስን ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ እናተረኸበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፋውንዴሽ ጃክ ማ ካብ ውሽጢ ዝገበሮም ሓገዛት መሳርሒታት መመርመሪን መሸፈኒ ገፅ (ማስክ)ን እቶም ዝተወሰኑ ኣብ ዝቕፅሊ ሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣትዉ ኣብሆምም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.