Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ን2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ምንካይ ዋጋ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንንዝነብሩ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር ንኽመፅ ዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ንዝመፅኡ ኣብ ዋጋ ትኬት ኣውሮፕላንን ሆቴል  ስካይላይትን ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብኢ ቲ ሆሊደይስ ኣቢሉ ንኣጋይሽ ዝኸውን መርሃ ግብሪ ዑደት ብንካይ ዋጋ ከምዘሰናደአ እቲ መገዲ ኣየር ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ንዝገብሩ ልዕሊ 100 ኣጋይሽ ናፃ ፓኬጅ ከምዘሰናደአ ገሊፁ፡፡

ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ለማ ያዴቻ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ፃውዒት ስዒቡ ዝመፅኡ ብዙሓት ኣጋይሽ ተጠቀምቲ ምንካይ ዋጋ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት፣ መሳፍንት እያዩን ሜሮን ፈለቀን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.